እቶት ካብ ክራይ ገዛን ኣከፋፍላ ግብሪን
ኣብ ኩለን ሃገራት ከምዝርአ፣ ወናኒ ዝተኻረየ መንበሪ ገዛ እንተኾንካ ዓመታዊ ጸብጻብ ግብሪ መንግስቲ ክትገብር ግቡእካዩ። እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ እቶት ካብ ክራይ ገዛን ኣከፋፍላ ግብሪን ኣብ ጀርመን ኮይኑ፣ ምስ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርአ ኣገባባት ተማሳሳልነት ኣለዎ። ጸብጻብ ግብሪ ንምግባር መጀመርታ ኣታዊታትን ወጻኢታትን ክራይ መንበሪ ገዛ ብልክዕ ክትፈልጥ ኣለካ። ዓመታዊ ኣታዊ ካብ ክራይ ንምፍላጥ ቀሊልዩ፣ ምኽንያቱ ናይቲ በብወርሒ ን 12 ኣዋርሕ ዝኣክል ካብ ተኻረይቲ ገዛ ዝተኣከበ ገንዘብ ድምር ስለዝኾነ። ንኣብነት ወርሓዊ ክራይ 800 € እንተኾይኑ፣ ናይ ዓመት 9600 € ይኸውን። ወጻኢታት ክራይ ገዛ ንምፍላጥ ግን፣ ጥልቕ ዝበለ ሕሳብ ክትገብር የድልየካ። ብሓፈሻ፣ ብመሰረት መምርሒ ኣከፋፍላ ግብሪ፣ ምስ ክራይ ገዛ ዝተሓሓዙ 4 ዓይነት ወጻኢታት ኣብ ሕሳብ ከተእቱ ይፍቀደልካ። #1 ምስ ግዜ ዝመጽእ እርጋን ገዛ (depreciation/Abschreibung) #2 ገዛ ብልቓሕ (home mortgage/Baukredit) እንተደኣ ተገዚኡ፣ ምስኡ ዝስዕብ ወለድ ንባንክ ዝኽፈል። #3 መጸገኒን ምምሕዳርን ገዛ (maintenance/Reparatur & administration/Verwaltung) #4 ምምዕርራይ ገዛ (modernizing/Modernisierung) ኣገዳሲ ነጥቢ ፣ #1 ካብቶም ካልኦት ወጻኢታት (#2፣ #3 ፣ #4) ዝፈልዮ፣ ካባኻ ብቐጥታ ዝኽፈል ገንዘብ የለን። እቲ ዝካረ ንብረት፣ ንበይኑ ዝቖመ ንጽል ገዛ (house/Haus) ወይ ኣብ ሓደ ዓቢ ህንጻ ዝርከብ ኣፓርትመንት (apartment/flat/Wohnung) ክኸውን ይኽእል። መጀመርታ ሕሳብ ወጻኢታት ናይ ንጽል ገዛ ንርአ። ንጽል ገዛ #1 እርጋን ገዛ (depreciation/Abschre...