ሕሳብ ልቓሕን ወለድን፣ ቀሊል መብርሂ
ናብ ሓደ ባንክ (Bank) ኬድና $5000 ኣብ ውሽጢ 24 ኣዋርሕ ዝምለስ ልቓሕ (loan/Kredit) ደልየ እንተኢልናዮ፣ ኩነታት ናብራና ስራሕናን ኣብ ግምት ብምእታው ንኸፍሎ ዓመታዊ መጠን ወለድ (interest rate/Zinssatz) 12%፣ ንሱ ማለት ከኣ፣ ወርሓዊ ዝኽፈል $235.37 በለና። እዚ ኣሃዝ ብኸመይ ከምዝመጸ ብቐሊሉ ክርዳኣና ዘይከኣል ይመስል። እንተኾነ ግን፣ ኣብዚ ጽሑፍ ከምንርእዮ፣ ነቲ ልቓሕ ክህበና ዝሓተትናዮ ባንክ ከይተጸበና ባዕልና ብቐሊሉ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። ነዚ ጽሑፍ ዘሰንዩ YouTube ቪድዮ፣ ከምኡውን ቀሊል ናይ ልቓሕ ካልኩሌተርን ምርኣይ ሓጋዚዩ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝውቱር ዝኾነ ናይ ባንክ ልቓሕ ንርአ። እቲ ዝቐለለ ውዕል ልቓሕ 4 መለክዒታት ዝሓዘለዩ። 1ይ ብዝሒ ልቓሕ፣ 2ይ ንውሓት ውዕል፣ ማለት ዕዳና ንምኽፋል ዝወስደልና ጊዜ፣ 3ይ መጠን ወለድ፣ ማለት interest rate/Zinssatz፣ ኣብቲ ውዕል ብሚእታዊት ዝጸሓፍ ኮይኑ፣ ወለድ ሓደ ካብ ምንጭታት ኣታዊ ናይ ባንክታትዩ። 4ይ ኣከፋፍላ ዕዳ፣ ንኣብነት ወርሓዊ እንተኾይኑ፣ ኣብ ንፍስ ወከፍ ወርሒ፣ ክፋል ናይ ልቓሕና ወለድ ወሲኽና ንባንክ ንኽፍሎ መጠን ገንዘብ ይውስን።
ኣብነት ዝኾኑ ቁጽርታት ንውሰድ። 1ይ ብዝሒ ልቓሕ $5000፣ 2ይ ልቓሕ ኣብ ውሽጢ 24 ኣዋርሕ ከፊልና ንውድኦ፣ 3ይ ብተወሳኺ ንኸፍሎ መጠን ወለድ ዓመታዊ 12% ኮይኑ፣ እዚ ማለት ወርሓዊ መጠን ወለድ 1%፣ 4ይ ንኣከፋፍላ ዕዳ ዝምልከት፣ ን24 ኣዋርሕ ዝኸይድ፣ ወርሓዊ $235.37 ንባንክ ንኸፍል። ገሊኡ ናይዚ ክፍሊት ንመልሶ ልቓሕ ኮይኑ፣ እቲ ዝተረፈኸኣ ወለድዩ።
ብዛዕባቲ ልቓሕ ሓፈሻዊ ስእሊ ክንወሰድ ምእንታን ንልቅሖ ገንዘብ ምስ ንመልሶ ዕዳ ነነጻጽር። ብመሰረት ወርሓዊ ንኸፍሎ $235.37 ፣ ናይ 24 ኣዋርሕ ተደሚሩ ንመልሶ ዕዳ $5649 ኣቢሉ ይኸውን። ካብኡ ዝተለቃሕናዮ $5000 እንተጉዲልና፣ ንኸፍሎ ወለድ $649 ኣቢሉ ይኸውን። ካብኡ ሓሊፍና ዝያዳ መረዳእታ ክንረክብ ንፈትን። ኣብዚ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣለው።1ይ፣ ነዚ ብባንክ ተወሲኑ ዘሎ ወርሓዊ ዝኽፈል $235.37 ብኸመይ ነረጋግጾ? 2ይ፣ ካብኡ ተበጊስና ፋይናንስያዊ ኩነታትና እንተደኣ ተቐይሩ ነቲ ወርሓዊ ንኸፍሎ ገንዘብ ብኸመይ ይጸልዎ? ዝብል ሕቶ ብቐሊሉ ክንምልስ ንኽእል። ንበል፣ ኣብ ኢድና ወይ ኣብ ባንክ ዘቐመጥናዮ $2000 እንተሎ፣ ንኸፍሎ ወርሓዊ መጠን ብኽንደይ ይጎድል? ናይዚ መልሲ ኣብ ታሕቲ ክንርእዮ ኢና። ብቐዳምነት እምበኣር፣ ነቲ ወርሓዊ ዝኽፈል $235.37 ብኸመይ ከምእንፈልጦ ንርአ። ንዕኡ ክንገብር ዘድልዩና ቁጽርታት፣ ወርሓዊ ወለድ 1%፣ ንውሓት ውዕል ልቓሕ በዋርሕ 24፣ ብዝሒ ልቓሕ $5000። ብቐዳምነት፣ ወርሓዊ መጠን ወለድን ንውሓት ውዕል ልቓሕን ምስ ሓዝና፣ ነዞም ኣሃዛት ኣብ ናይ ስማርትፎን ካልኩሌተር ነእትዎ።
A = 1% * (1 + 1%)^24
B = (1 + 1%)^24 - 1
ሽዑ፣ A ብ B እንተመቒልናዮ፣ ማለት A/B፣ ንረኽቦ መልሲ 0.047073ዩ። ብድሕሪኡ ነዚ ቑጽሪ ብዝወሰድናዮ ልቓሕ እንተርቢሕናዮ፣ ልክዕ ኣብቲ ውዕል ዝተዋህበና ኣሃዝ $235.37 ንረክብ፣
0.047073 * $5000 = $235.37
1ይ ሰናርዮ
እቲ ኣቐዲምና፣ *$2000 ኣብ ኢድና እንተሃለወናኸ፣ እቲ ወርሓዊ ንኸፍሎ ክንደይ ይኽውን?* ዝበልናዮ ንርአ። ኣብዚ ሰናርዮ እቲ ንልቅሖ ገንዘብ ኣብ ክንዲ $5000 ዝኽውን፣ $3000 ጥራይዩ። ስለዝኾነ፣ ወርሓዊ ንኸፍሎ፣ $141.20 ኣቢሉ ይኸውን። 0.047073 * $3000 = $141.20 ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣሃዝ፣ ማለት ምስ $5000 ውዕል ልቓሕ ዝኽፈል ወርሓዊ $235.37፣ ብ$95 ኣቢሉ ጎዲሉሎ። ብተወሳኺ፣ ንኸፍሎ ወለድውን ክጎድል ናይ ግድንዩ። ምኽንያቱ ኣብ 24 ኣዋርሕ ዝተኸፍለ ዕዳ $3389 ኣቢሉ ክኸውን ከሎ ካብኡ ዝተለቃሕናዮ $3000 እንተጒዲልና፣ ንኸፍሎ ወለድ $389 ጥራይዩ። ምስ $5000 ውዕል ልቓሕ ዝኽፈል ወለድ፣ ማለት $648.82፣ ኣወዳዲርና ድማ፣ $260 ወለድ ካብ ምኽፋል ድሒንና ለና። ካብዚ ኣብነት ብምብጋስ፣ ዝተፈላለየ መጠን ለቓሕ ከም ሴናርዮ እንዳወሰድና ክንደይ ዝኣክል ወለድ ከምንቑጥብ ምስፈለጥና፣ ይሓይሽ ዝበልናዮ ኣማራጺ ንወስድ።
2ይ ሰናርዮ
እቲ ንልቅሖ መጠን $5000 ኮይኑ ንውሓት ውዕል ግን ካብ 24 ናብ 48 ኣዋርሕ ንቐይሮ። ናብቲ ዝረኣናዮ ቀሊል ፍርሙላ ተመሊስና ፣ 24 ዝነበረ ናብ 48 እንተቐይርናዮ፣
A = 1% * (1 + 1%)^48
B = (1 + 1%)^48 - 1
A/B = 0.02633 ይኸውን። ካብኡ፣ ን 0.02633 ብዝወሰድናዮ ልቓሕ $5000 እንተርቢሕናዮ፣ ወርሓዊ ንኸፍሎ $131.67 ይኸውን። ኣብዚ ንዕዘብ፣ ኣብ ዝነውሐ ግዜ ዕዳና ንኽፈል ስለዝበልና ወርሓዊ ንኸፍሎ ኣዝዩ ትሒቱሎ። እንተኾነ ግን፣ ድምር ንኸፍሎ ዕዳን ወለድን ወሲኹሎ። እቲ ምኽንያት፣ ነቲ ወርሓዊ ንኸፍሎ ኣሃዝ፣ ኣብ ክንዲ ብ 24 ፣ ብ 48 ነርብሖ ስለዘለናዩ። እዚ ማለት፣ እቲ ኣብ 48 ኣዋርሕ ዝኽፈል ዕዳ $6320 ዶላር ክኸውን ከሎ፣ ንኸፍሎ ወለድ እንተርኢናኸኣ $1320 ዶላርዩ። ምስ ኣብ 24 ኣዋርሕ ዝኽፈል ወለድ፣ ማለት $649፣ እንተነጻጺርና፣ ንኸፍሎ ወለድ ብ $670 ኣቢሉ ይውስኽ።
3ይ ሰናርዮ
እቲ ንልቅሖ መጠን $5000 ኮይኑ ወርሓዊ ወለድ ግን ካብ 1% ናብ 2% ነደይቦ። በቲ ፎርሙላ መሰረት
A = 2% * (1 + 2%)^24
B = (1 + 2%)^24 - 1
ንረኽቦ መልሲ A/B = 0.05287. ኣብ መወዳአታ ነዚ ቁጽሪ ብዝወሰድናዮ ልቓሕ ነባዝሖ፣ 0.05287 * $5000 = $264.35 ናይ 24 ኣዋርሕ ዕዳና $264.35 * 24 = $6344.4 ክኸውን ከሎ፣ ንኸፍሎ ወለድ ከኣ $1344.4። ስለዚ መጠን ወለድ ካብ 1% ናብ 2% እንተወሲኹ፣ ንኸፍሎ ወለድ ብ $694.8 ይውስኽ።
እምበኣርከስ፣ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፣ ብዛዕባ ልቓሕን ወለድን ዝሓሸ መረዳእታ እንተልዩና እቲ ንወስዶ ውሳኔ ድማ ቅኑዕዩ ዝኸውን።
ተወሳኺ ሓበሬታ
ልቓሕ ካልኩሌተር ብ$.xlsx ፣ "download" ዝግበር ናይ ኤክሰል (Excel) ፋይል ኮይኑ፣ ዝርዝር በብወርሒ ዝኽፈል ገንዘብ ብ$ ዘርእይ እዩ።
ኣጸሓሕፋ ኣሃዛት ብዩሮ € ስለዝፍለ፣ ብዩሮ ክጽሕፍ ዝደሊ ልቓሕ ካልኩሌተር ብ€.xlsx ክጥቀም ይኽእል።
Comments
Post a Comment