Posts

Showing posts from January, 2023

እቶት ካብ ክራይ ገዛን ኣከፋፍላ ግብሪን

ኣብ ኩለን ሃገራት ከምዝርአ፣ ወናኒ ዝተኻረየ መንበሪ ገዛ እንተኾንካ ዓመታዊ ጸብጻብ ግብሪ መንግስቲ ክትገብር ግቡእካዩ። እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ እቶት ካብ ክራይ ገዛን ኣከፋፍላ ግብሪን ኣብ ጀርመን ኮይኑ፣ ምስ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርአ ኣገባባት ተማሳሳልነት ኣለዎ። ጸብጻብ ግብሪ ንምግባር መጀመርታ ኣታዊታትን ወጻኢታትን ክራይ መንበሪ ገዛ ብልክዕ ክትፈልጥ ኣለካ። ዓመታዊ ኣታዊ ካብ ክራይ ንምፍላጥ ቀሊልዩ፣ ምኽንያቱ ናይቲ በብወርሒ ን 12 ኣዋርሕ ዝኣክል ካብ ተኻረይቲ ገዛ ዝተኣከበ ገንዘብ ድምር ስለዝኾነ። ንኣብነት ወርሓዊ ክራይ 800 € እንተኾይኑ፣ ናይ ዓመት 9600 € ይኸውን። ወጻኢታት ክራይ ገዛ ንምፍላጥ ግን፣ ጥልቕ ዝበለ ሕሳብ ክትገብር የድልየካ። ብሓፈሻ፣ ብመሰረት መምርሒ ኣከፋፍላ ግብሪ፣ ምስ ክራይ ገዛ ዝተሓሓዙ  4 ዓይነት ወጻኢታት ኣብ ሕሳብ ከተእቱ ይፍቀደልካ። #1 ምስ ግዜ ዝመጽእ እርጋን ገዛ (depreciation/Abschreibung) #2 ገዛ ብልቓሕ (home mortgage/Baukredit) እንተደኣ ተገዚኡ፣ ምስኡ ዝስዕብ ወለድ ንባንክ ዝኽፈል።   #3 መጸገኒን ምምሕዳርን ገዛ (maintenance/Reparatur & administration/Verwaltung) #4 ምምዕርራይ ገዛ (modernizing/Modernisierung) ኣገዳሲ ነጥቢ ፣ #1 ካብቶም ካልኦት ወጻኢታት (#2፣ #3 ፣ #4) ዝፈልዮ፣ ካባኻ ብቐጥታ ዝኽፈል ገንዘብ የለን። እቲ ዝካረ ንብረት፣ ንበይኑ ዝቖመ ንጽል ገዛ (house/Haus) ወይ ኣብ ሓደ ዓቢ ህንጻ ዝርከብ ኣፓርትመንት (apartment/flat/Wohnung) ክኸውን ይኽእል። መጀመርታ ሕሳብ ወጻኢታት ናይ ንጽል ገዛ ንርአ። ንጽል ገዛ #1 እርጋን ገዛ (depreciation/Abschre...

ኣገዳስነት ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን  

  ኣብ ጀርመን ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን ( Privathaftpflichtversicherung ) ሓደ ካብቶም ኣድለይቲ ዝበሃሉ መድሕንዩ። ዳርጋ 83% ካብ ነበርቲ ጀርመን ዝኾኑ ስድራታት ከኣ ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን ኣለዎም። እዚ መድሕን ብሰንክኻ ወይ ብሰንኪ ደቕኻን ካልኦት ኣብቲ መድሕን ዝተጠቕሱ ኣባላት ስድራ፣ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ንብረት ወይ ኣካል ብዝበጽሐ ማህሰይቲ ስዒቡ ዝኽፈል ካሕሳ ዝሽፍንዩ። እዚ መድሕን ካብ ሳልሳይ ኣካል መድሕን ናይ መኪናን ካልኦት ተሽከርከርትን ( Autoversicherung ) ፍልይ ዝበለዩ። ንመኪና ንዝምልከት ባዕሉ ዝኸኣለ መድሕን ክትኣቱ ብሕጊ ትግደድ ኢኻ። ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን ግን ብወለንታዩ ዝእቶ። እንተኾነ፣ ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን ክህልወካ ዝምረጽዩ፣ ምኽንያቱ ንኡስ ዝመስል ሓደጋ ኣዝዩ ዓቢ ዝኾነ ማህሰይቲ ብምውራድ ምሉእ ሓላፍነት ኣሰኪሙ፣ ከም ሳዕቤን ከኣ ንብረትካ ወይ ሃብትኻ ከይተረፈ ከም መኽፈሊ ካሕሳ ክውሰድ ስለ ዝኽእልዩ።  ኣብ መዓልታዊ ናብራ ሓደጋታት ከጋጥሙ ንቡርዩ። ንኣብነት ወድኻ ኩዑሶ ክጻወት ከሎ ብሃብደበት መስትያት ናይ ጎረቤት ገዛ ክሰብር፣ ወይ ብብሽክለታ መኪና ናይ ሰብ ክሕንጽጽ ይኽእል።  ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፣ ከም ተጓዓዚ ወይ ዘዋሪ ብሽክለታ ብዝገበርካዮ ስሕተት ዝመጽእ ናይ ትራፊክ ሓደጋ ናይ ኣሽሓት ወይ ሚልዮናት ዩሮ ዕንወት ከስዕብ ይኽእልዩ። ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን እምበኣር፣ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓደጋታት በቲ ስምምዕ መድሕን መሰረት ካሕሳ ዝኸፍለልካዩ። ብተወሳኺ፣  ኣብ ገሊኦም ኣጋጣሚታት ብዘይወዓልካዮ ነገር ካብ ካልእ ሰብ ክሲ እንትመጸካ ንነፍስኻ ክትከላኸል ዝሕግዝ መድሕንዩ። ኣብ ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን ምስትውዓል ዘድል...

ክንደይ ዋግኡ ገዛ ክትገዝእ ትኽእል? ስርዓት 30/30/3

ኣብ መስርሕ ምግዛእ ገዛ ክንክተሎ ዘለና  ብብዝሒ ዝተዘርበሉ ሓፈሻዊ ስርዓት 30/30/3 (30/30/3 Rule) ዝበሃል ኣሎ። ብመሰረት ስርዓት 30/30/3፣ #1፣ ንገዛ ኢልካ ወርሓዊ ተውጽኦ ገንዘብ ካብ 30% ናይ ደሞዝ ወይ እቶት (gross salary/Bruttogehalt) ክሓልፍ የብሉን። #2፣ 30% ናይ ትገዝኦ ገዛ ዋጋ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ጽናሕ፣ እቲ 20% ንመበገሲ ዝኽፈል (down payment/Eigenkapital) ክኸውን ከሎ፣ ዝተረፈ 10% ንኻልእ ዘይተጸባኻዮ ወጻኢታት መሸፈኒዩ።  #3፣ ትኸፍሎ ዋጋ ናይ ገዛ 3x (3 ዕጽፊ) ናይ ዓመታዊ ደሞዝ ወይ እቶት ክሓልፍ የብሉን፣ እቲ ዝዓበየ ሃብቲ ናይ ስድራ ገዛ ብምዃኑ፣ ንሰለስቲኦም ስርዓታት ከተማልእ ኽኸብድ ይኽእልዩ፣ እንተኾነ፣ ንክልተ ወይ ሓደ ካብኦም እንተማሊእካውን ንባዕሉ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚትዩ። ብቕሊሉ ንምርኣይ፣ ኣብነት ንውሰድ። ንበል ናይ ሓደ ስድራ ዓመታዊ እቶት $100,000 ኮይኑ፣ ኣብ ኢድ እዛ ስድራ ዘሎ ዝተዋህለለ ገንዘብ ከኣ $80,000።  1ይ ኣማራጺ ገዛ። መሸጣ ዋጋ $400,000 እዛ ስድራ ናይ $400,000 ገዛ ረኺባ ክትገዝኦ ደለየት። ከም መበገሲ (ማለት down payment) ዝሕተት 20% ወይ $80,000 ስለዝኾነ፣ ትወስዶ ልቓሕ $320,000 እዩ ክኸውን። ንበል እዚ ልቓሕ ገዛ (home mortgage/Baufinanzierung) ኣብ 30 ዓመት ዝኽፈል፣ ዓመታዊ መጠን ወለድ (interest rate/Zinsen) 3% እዩ።  ብመሰረት  ናይ ገዛ ልቓሕ (home mortgage) ካልኩሌተር ወርሓዊ ዝኽፈል (repayment/Ratenzahlung) $1,349.13 እዩ። ተወሳኺ ወጻኢታት ገዛ፣ ብገምጋም $1,333.33 ብዘይካ ...

ጥንቓቐ ኣብ ኣጠቓቕማ ክረዲት ካርድ

"ክረዲት ካርድ ምጥቃም ሓደገኛዩ" ዝብል ርእይቶ ብብዝሒ ይስማዕዩ። ስለምንታይ? ብቐዳምነት፣ ክረዲት ካርድ እንታይ ማለት እዩ? ኣብ ዱኳናት፣ ኣብ ቤት መግቢታት፣ ኣብ ጉዕዞናን ኣብ ካልኦት ኣጋጣሚታትን ዘድልዩና ነገራት ንምግዛእ ብልምዲ ንጥቀመሎም፣ 3 ቀንዲ ኣገባባት ኣለውና። ንሶም ከኣ፣ ጥረ ገንዘብ፣ ደቢት ካርድን፣ ክረዲት ካርድንዮም። ንኣብነት፣ ናይ 100 € ንብረት ጥረ ገንዘብ ጌርና እንተኸፊልናዮ፣ ኣብ ኢድና ዝሓዝናዮ ገንዘብ ብ 100 € ይጎድል። ብደቢት ካርድ ጌርና እንተኸፊልናዮ ኸኣ፣ ኣብ ባንክ ዘቐመጥናዮ ገንዘብ ብቕጽበት ብ 100 € ይጎድል። ብክረዲት ካርድ እንተኾይኑ ግን፣ እቲ   ካርድ ዝሃበና ባንክዩ ኣቐዲሙ ዝኸፍሎ። ስዒቡ እቲ ባንክ፣ ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ 30 መዓልቲ ዝተኣከበ ገንዘብ፣ ኣብ ወሽጢ ዝተወሰነ ግዜ (ብልምዲ 3 ሰሙን) ክንከፍሎ ከምዘለና   ወረቐት ይሰደልና። ኣብ ውሽጢ 3ተ ሰሙን እንተዘይከፊልናዮ፣ ክሳብ ሕሳብና ንዓጹ፣ ከም መቕጻዕቲ ወለድ (ማለት interest) ክንከፍል ንጅምር።      እምበኣርከስ፣ ሓደ ብክረዲት ካርድ ጌሩ ዝኸፍል ሰብ፣ ብተዘዋዋሪ መንገዲ፣  ልቓሕ ካብ ባንክ ክወስድ ዝመረጸዩ። ከምኡ እንተኾይኑ ደኣ፣ ንክረዲት ካርድ ልዕሊ ካልእ ዓይነት ልቓሕ ሓደገኛ ዝገብሮ ደኣ እንታይዩ? እቲ ቀዳማይ ምኽንያት፣   መጠን ወለድ *ማለት interest rate* ናይ ክረዲት ካርድ ኣዝዩ ልዑልዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ካልእ ልቓሕ ዝኽፈል ዓመታዊ ወለድ ትሕቲ 10% ክኸውን ከሎ፣ በንጻሩ ኣብ ክረዲት ካርድ ዝኽፈል ዓመታዊ ወለድ ልዕሊ 20% ክኸውን ይኽእል። እቲ ኻልኣይ ምኽንያት፣ ንባንክ ንኸፍሎ ወለድ ፣   ኣብ ካልእ ዓይነታት ልቓሕ ከምዝርአ ወርሓዊ ...

ሕሳብ ልቓሕን ወለድን፣ ቀሊል መብርሂ

Image
ናብ ሓደ ባንክ (Bank) ኬድና $5000 ኣብ ውሽጢ 24 ኣዋርሕ ዝምለስ ልቓሕ (loan/Kredit) ደልየ እንተኢልናዮ፣ ኩነታት ናብራና ስራሕናን ኣብ ግምት ብምእታው ንኸፍሎ ዓመታዊ መጠን ወለድ (interest rate/Zinssatz) 12%፣ ንሱ ማለት ከኣ፣ ወርሓዊ ዝኽፈል $235.37 በለና። እዚ ኣሃዝ ብኸመይ ከምዝመጸ ብቐሊሉ ክርዳኣና ዘይከኣል ይመስል። እንተኾነ ግን፣ ኣብዚ ጽሑፍ ከምንርእዮ፣ ነቲ ልቓሕ ክህበና ዝሓተትናዮ ባንክ ከይተጸበና ባዕልና ብቐሊሉ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። ነዚ ጽሑፍ ዘሰንዩ YouTube ቪድዮ፣ ከምኡውን ቀሊል ናይ ልቓሕ ካልኩሌተርን ምርኣይ ሓጋዚዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝውቱር ዝኾነ ናይ ባንክ ልቓሕ ንርአ። እቲ ዝቐለለ ውዕል ልቓሕ 4 መለክዒታት ዝሓዘለዩ። 1ይ ብዝሒ ልቓሕ፣ 2ይ ንውሓት ውዕል፣ ማለት ዕዳና ንምኽፋል ዝወስደልና ጊዜ፣ 3ይ መጠን ወለድ፣ ማለት interest rate/Zinssatz፣ ኣብቲ ውዕል ብሚእታዊት ዝጸሓፍ ኮይኑ፣ ወለድ ሓደ ካብ ምንጭታት ኣታዊ ናይ ባንክታትዩ። 4ይ ኣከፋፍላ ዕዳ፣ ንኣብነት ወርሓዊ እንተኾይኑ፣ ኣብ ንፍስ ወከፍ ወርሒ፣ ክፋል ናይ ልቓሕና ወለድ ወሲኽና ንባንክ ንኽፍሎ መጠን ገንዘብ ይውስን።  ኣብነት ዝኾኑ ቁጽርታት ንውሰድ። 1ይ ብዝሒ ልቓሕ $5000፣ 2ይ ልቓሕ ኣብ ውሽጢ 24 ኣዋርሕ ከፊልና ንውድኦ፣ 3ይ ብተወሳኺ ንኸፍሎ መጠን ወለድ ዓመታዊ 12% ኮይኑ፣ እዚ ማለት ወርሓዊ መጠን ወለድ 1%፣ 4ይ ንኣከፋፍላ ዕዳ ዝምልከት፣ ን24 ኣዋርሕ ዝኸይድ፣ ወርሓዊ $235.37 ንባንክ ንኸፍል። ገሊኡ ናይዚ ክፍሊት ንመልሶ ልቓሕ ኮይኑ፣ እቲ ዝተረፈኸኣ ወለድዩ። ብዛዕባቲ ልቓሕ ሓፈሻዊ ስእሊ ክንወሰድ ምእንታን ንልቅሖ ገንዘብ ምስ ንመልሶ ዕዳ ነነጻጽር። ብመ...