Posts

Showing posts with the label መድሕን (Insurance)

ኣገዳስነት ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን  

  ኣብ ጀርመን ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን ( Privathaftpflichtversicherung ) ሓደ ካብቶም ኣድለይቲ ዝበሃሉ መድሕንዩ። ዳርጋ 83% ካብ ነበርቲ ጀርመን ዝኾኑ ስድራታት ከኣ ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን ኣለዎም። እዚ መድሕን ብሰንክኻ ወይ ብሰንኪ ደቕኻን ካልኦት ኣብቲ መድሕን ዝተጠቕሱ ኣባላት ስድራ፣ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ንብረት ወይ ኣካል ብዝበጽሐ ማህሰይቲ ስዒቡ ዝኽፈል ካሕሳ ዝሽፍንዩ። እዚ መድሕን ካብ ሳልሳይ ኣካል መድሕን ናይ መኪናን ካልኦት ተሽከርከርትን ( Autoversicherung ) ፍልይ ዝበለዩ። ንመኪና ንዝምልከት ባዕሉ ዝኸኣለ መድሕን ክትኣቱ ብሕጊ ትግደድ ኢኻ። ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን ግን ብወለንታዩ ዝእቶ። እንተኾነ፣ ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን ክህልወካ ዝምረጽዩ፣ ምኽንያቱ ንኡስ ዝመስል ሓደጋ ኣዝዩ ዓቢ ዝኾነ ማህሰይቲ ብምውራድ ምሉእ ሓላፍነት ኣሰኪሙ፣ ከም ሳዕቤን ከኣ ንብረትካ ወይ ሃብትኻ ከይተረፈ ከም መኽፈሊ ካሕሳ ክውሰድ ስለ ዝኽእልዩ።  ኣብ መዓልታዊ ናብራ ሓደጋታት ከጋጥሙ ንቡርዩ። ንኣብነት ወድኻ ኩዑሶ ክጻወት ከሎ ብሃብደበት መስትያት ናይ ጎረቤት ገዛ ክሰብር፣ ወይ ብብሽክለታ መኪና ናይ ሰብ ክሕንጽጽ ይኽእል።  ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፣ ከም ተጓዓዚ ወይ ዘዋሪ ብሽክለታ ብዝገበርካዮ ስሕተት ዝመጽእ ናይ ትራፊክ ሓደጋ ናይ ኣሽሓት ወይ ሚልዮናት ዩሮ ዕንወት ከስዕብ ይኽእልዩ። ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን እምበኣር፣ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓደጋታት በቲ ስምምዕ መድሕን መሰረት ካሕሳ ዝኸፍለልካዩ። ብተወሳኺ፣  ኣብ ገሊኦም ኣጋጣሚታት ብዘይወዓልካዮ ነገር ካብ ካልእ ሰብ ክሲ እንትመጸካ ንነፍስኻ ክትከላኸል ዝሕግዝ መድሕንዩ። ኣብ ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን ምስትውዓል ዘድል...