Posts

Showing posts from February, 2023

ቁጠባ ገንዘብ ኣብ ባንክ፣ ካብ 0% ናብ 3% ወለድ፣ ድሕሪኡኸ?

Image
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ገንዘቡ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝርከባ ንግዳውያን ባንክታት ዘቐመጠ ሰብ፣ 0% ወይ ከኣ ዳርጋ 0% መጠን ወለድ (interest rate/Zinsen) እዩ ረኺቡ። ቐንዲ ጠንቂ ናይዚ ወለድ-ኣልቦ ዓመታት ባጤራ ዝሓትማ ሃገራዊ ባንክታት (ከም European Central Bank (ECB) ኣብ ኣውሮፓ፣ Federal Reserve (Fed) ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ብዝተኸተልዎ ናይ ወለድ ፖሊሲ እዩ። ብሓፈሻዊ፣ ሃገራዊ ባንክ ዝወሰኖ መጠን ወለድ ነቲ ንግዳውያን ባንክታት ንዓማዊለን ዘኽፍለኦ መጠን ወለድ ብቐጥታ ይጸልዎ። እንተኾነ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት 2022 ኣትሒዙ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ዝኾነ ሓፈሻዊ ናህሪ ዋጋታት (inflation) ንምቕላስ ኢለን ሃገራዊ ባንክታት ዝውስንኦ መጠን ወለድ ቀስ ብቐስ ክውስኽ ይረአሎ (chart 1 ረአ)።   chart 1   ምዕባለ መጠን ወለድ %  ሰማያዊ፣ ኣውሮፓ (ECB)     ቀይሕ፣ ሕ.መ.ኣ (Fed)  እዚ ምዕባለ ብሕልፊ ነቶም መብዛሕትኡ ዝቖጠብዎ  ሃብቶም ኣብ ባንክ ዘቐምጡ ስድራታት (ብዝያዳ ኸኣ ኣብ ጀርመን) ከም ጽቡቕ ዜናዩ ኮይኑ ዘሎ። እንተኾነ፣ ኣብዚ ግዜ ንሕሳብ ቁጠባ ዝኽፈል መጠን ወለድ ሓደ ኣይኮነን። ቀዳማይ ነገር፣ እቲ ዝኸፈትካዮ ዓይነት ናይ ባንክ ሕሳብ (account/Konto) ተራእዩ እቲ መጠን ወለድ ክብ ወይ ከኣ ለጠቕ ይብል። ብተወሳኺ፣ ኣብ ትሕቲ ናጻ ዕዳጋ ዝንቀሳቐስ ቁጠባ ምዕቡላት ሃገራት፣ ኣብ መንጎ ባንክታት ብዘሎ ውድድር፣ መጠን ወለድ ካብ ባንክ ናብ ባንክ ይፈላለ። ሕሳብ ባንክን ወለድን ብሓፈሻ ሰለስተ ዓይነት ናይ ባንክ ሕሳብ ኣለዉ፣ #1 Checking account/Girokonto፣ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ወለድ ...