ጥንቓቐ ኣብ ኣጠቓቕማ ክረዲት ካርድ
"ክረዲት ካርድ ምጥቃም ሓደገኛዩ" ዝብል ርእይቶ ብብዝሒ ይስማዕዩ። ስለምንታይ? ብቐዳምነት፣ ክረዲት ካርድ እንታይ ማለት እዩ? ኣብ ዱኳናት፣ ኣብ ቤት መግቢታት፣ ኣብ ጉዕዞናን ኣብ ካልኦት ኣጋጣሚታትን ዘድልዩና ነገራት ንምግዛእ ብልምዲ ንጥቀመሎም፣ 3 ቀንዲ ኣገባባት ኣለውና። ንሶም ከኣ፣ ጥረ ገንዘብ፣ ደቢት ካርድን፣ ክረዲት ካርድንዮም። ንኣብነት፣ ናይ 100 € ንብረት ጥረ ገንዘብ ጌርና እንተኸፊልናዮ፣ ኣብ ኢድና ዝሓዝናዮ ገንዘብ ብ 100 € ይጎድል። ብደቢት ካርድ ጌርና እንተኸፊልናዮ ኸኣ፣ ኣብ ባንክ ዘቐመጥናዮ ገንዘብ ብቕጽበት ብ 100 € ይጎድል። ብክረዲት ካርድ እንተኾይኑ ግን፣ እቲ ካርድ ዝሃበና ባንክዩ ኣቐዲሙ ዝኸፍሎ። ስዒቡ እቲ ባንክ፣ ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ 30 መዓልቲ ዝተኣከበ ገንዘብ፣ ኣብ ወሽጢ ዝተወሰነ ግዜ (ብልምዲ 3 ሰሙን) ክንከፍሎ ከምዘለና ወረቐት ይሰደልና። ኣብ ውሽጢ 3ተ ሰሙን እንተዘይከፊልናዮ፣ ክሳብ ሕሳብና ንዓጹ፣ ከም መቕጻዕቲ ወለድ (ማለት interest) ክንከፍል ንጅምር። እምበኣርከስ፣ ሓደ ብክረዲት ካርድ ጌሩ ዝኸፍል ሰብ፣ ብተዘዋዋሪ መንገዲ፣ ልቓሕ ካብ ባንክ ክወስድ ዝመረጸዩ። ከምኡ እንተኾይኑ ደኣ፣ ንክረዲት ካርድ ልዕሊ ካልእ ዓይነት ልቓሕ ሓደገኛ ዝገብሮ ደኣ እንታይዩ? እቲ ቀዳማይ ምኽንያት፣ መጠን ወለድ *ማለት interest rate* ናይ ክረዲት ካርድ ኣዝዩ ልዑልዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ካልእ ልቓሕ ዝኽፈል ዓመታዊ ወለድ ትሕቲ 10% ክኸውን ከሎ፣ በንጻሩ ኣብ ክረዲት ካርድ ዝኽፈል ዓመታዊ ወለድ ልዕሊ 20% ክኸውን ይኽእል። እቲ ኻልኣይ ምኽንያት፣ ንባንክ ንኸፍሎ ወለድ ፣ ኣብ ካልእ ዓይነታት ልቓሕ ከምዝርአ ወርሓዊ ...