ጥንቓቐ ኣብ ኣጠቓቕማ ክረዲት ካርድ

"ክረዲት ካርድ ምጥቃም ሓደገኛዩ" ዝብል ርእይቶ ብብዝሒ ይስማዕዩ። ስለምንታይ?

ብቐዳምነት፣ ክረዲት ካርድ እንታይ ማለት እዩ? ኣብ ዱኳናት፣ ኣብ ቤት መግቢታት፣ ኣብ ጉዕዞናን ኣብ ካልኦት ኣጋጣሚታትን ዘድልዩና ነገራት ንምግዛእ ብልምዲ ንጥቀመሎም፣ 3 ቀንዲ ኣገባባት ኣለውና። ንሶም ከኣ፣ ጥረ ገንዘብ፣ ደቢት ካርድን፣ ክረዲት ካርድንዮም። ንኣብነት፣ ናይ 100 € ንብረት ጥረ ገንዘብ ጌርና እንተኸፊልናዮ፣ ኣብ ኢድና ዝሓዝናዮ ገንዘብ ብ 100 € ይጎድል። ብደቢት ካርድ ጌርና እንተኸፊልናዮ ኸኣ፣ ኣብ ባንክ ዘቐመጥናዮ ገንዘብ ብቕጽበት ብ 100 ይጎድል። ብክረዲት ካርድ እንተኾይኑ ግን፣ እቲ  ካርድ ዝሃበና ባንክዩ ኣቐዲሙ ዝኸፍሎ። ስዒቡ እቲ ባንክ፣ ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ 30 መዓልቲ ዝተኣከበ ገንዘብ፣ ኣብ ወሽጢ ዝተወሰነ ግዜ (ብልምዲ 3 ሰሙን) ክንከፍሎ ከምዘለና  ወረቐት ይሰደልና። ኣብ ውሽጢ 3ተ ሰሙን እንተዘይከፊልናዮ፣ ክሳብ ሕሳብና ንዓጹ፣ ከም መቕጻዕቲ ወለድ (ማለት interest) ክንከፍል ንጅምር።    

እምበኣርከስ፣ ሓደ ብክረዲት ካርድ ጌሩ ዝኸፍል ሰብ፣ ብተዘዋዋሪ መንገዲ፣  ልቓሕ ካብ ባንክ ክወስድ ዝመረጸዩ። ከምኡ እንተኾይኑ ደኣ፣ ንክረዲት ካርድ ልዕሊ ካልእ ዓይነት ልቓሕ ሓደገኛ ዝገብሮ ደኣ እንታይዩ?

እቲ ቀዳማይ ምኽንያት፣  መጠን ወለድ *ማለት interest rate* ናይ ክረዲት ካርድ ኣዝዩ ልዑልዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ካልእ ልቓሕ ዝኽፈል ዓመታዊ ወለድ ትሕቲ 10% ክኸውን ከሎ፣ በንጻሩ ኣብ ክረዲት ካርድ ዝኽፈል ዓመታዊ ወለድ ልዕሊ 20% ክኸውን ይኽእል። እቲ ኻልኣይ ምኽንያት፣ ንባንክ ንኸፍሎ ወለድ ፣  ኣብ ካልእ ዓይነታት ልቓሕ ከምዝርአ ወርሓዊ ዘይኮነ፣ መዓልታዊዩ ዝጽብጸብ።

ኣብ ግብሪ ከምእንርእዮ ኸኣ፣ ናይዚ ሳዕቤን፣ እቲ መዓልታዊ ዝውህለል ዕዳ ቀልጢፉ ስለዝውስኽ፣ ምስ ግዜ ንምኽፋሉ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል።

ከም ኣብነት ። ኣብ 30 መዓልቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝተኣከበ  ናይ ክረዲት ካርድ ዕዳ 10000 € ኣሎ ንበል፣ ዓመታዊ መጠን ወለድ ከኣ 26%።  ብተወሳኺ፣ ዕዳና ድሕሪ ሓደ ዓመት ንኽፍሎ ንበል።

ምናልባት፣ ብግምት፣ 26 ሚእታዊት ብ 10000 € ኣርቢሕና (26% * 10000 = 2600 €) ንኸፍሎ ወለድ 2600 ፣ ድምር ዕዳ ኸኣ፣ 10000 + 2600 € እንተኢልና፣ ትጋጊና። እቲ ንኸፍሎ ዕዳ ብግብሪ 2957 እዩ። ነዚ ብቐሊሉ ንምርኣይ፣ ብቐዳምነት፣ ንዓመታዊ መጠን ወለድ 26% ብ 365 እንተመቒልናዮ፣ መዓልታዊ መጠን ወለድ 0.071% ኣቢሉ ይኸውን። እዚ ማለት፣  ዕዳ ክንመልስ ካብ ዝተዋህበና ናይ ግዜ ገደብ ሓደ መዓልቲ ምስ ኣሕለፍናናይዛ መዓልቲ ጥራይ 10000 € * 0,071%፣ ማለት 7,10 € ወለድ ንኸፍል። ድምር ዕዳ ድማ 10000 € + 7,10 €፣ ማለት 10007,10 € ይኸውን። ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ንኸፍሎ ወለድ

10007,10 € * 0,071% ፣  ማለት 7,11 ኮይኑ ውህሉል ዕዳ ኸኣ 10007,10  € + 7,11 €፣ ማለት 10014,21 €። ከምኡ እንዳበለ፣ ናይ 30 መዓልቲ ተዋህሊሉ፣ ክንከፍሎ ዘሎና ዕዳ፣ 10215,21 € ኮይኑ፣ ካብኡ ናይ ሓደ ወርሒ ወለድ ጥራይ 215,21 € በጺሑሎ!

ብእዋኑ መዕገቲ ስለዘይገበርናሉ ኸኣ፣ ድሕሪ 1 ዓመት፣ ማለት 365 መዓልታት፣ ወለድ ኣብ ልዕሊ ወለድ እንዳበለ 12968,10 € ዕዳ ይጽበየና። ካብኡ ወለድ ጥራይ 2968,10 € እዩ።

ኣብ 365 መዓልታት ዝውህለል ገንዘብ፣ ብካልኩሌተር፣

ኣብዚ ካልኩሌተር ን 365 ብ 730 (ማለት 2 ዓመት) እንተቐይርናዮ፣ ንኸፍሎ ዕዳ 16817,16 €፣ ካብኡ ወለድ ጥራይ ከኣ 6817,16 €!

ስለዚ፣ ሓደገኛነት ናይ ክረዲት ካርድ ፈሊጥና፣ ነዚ ሓደጋ ብኸመይ ከምንፈትሖስ ክንሓስብ ኣለና። ምናልባት ቀሊል መፍትሒ ክመስለና ዝኽእል፣ ክረዲት ካርድ ጠቕሊልካ ምግዳፍዩ። ግና፣ ክረዲት ካርድ ሓደ ሓደ ጥቕምታት ኣለዎ፣ ንኣብነት ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ መኪና ብዘይ ክረዲት ካርድ ክንካረ ኣይከኣልንዩ። ገሊኦም መገዲ ኣየራትውን ናይ ነፋሪት ትኬት ብ ክረዲት ካርድ ክግዛእ ይመርጹ። ስለዚ ንክረዲት ካርድ ጠቕሊልካ ምግዳፉ ክኸብድና ይኽእልዩ።

እቲ ካልእ ኣማራጺ እምበኣር፣ ኣተሓሕዛ ክረዲት ካርድ ምምሕያሽዩ።

1ይ፣ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ባንክ ዝተላ እከ ወረቐት ምስ በጸሓና፣ እንተኽኢልና ዝተኣከበ ክረዲት  ቀልጢፍና ክንመልስ ንፈትን። ደንጒና ኢንተተባህለ ኸኣ፣ ዝተዋህበና ናይ ግዜ ገደብ ኣይነሕልፍ።

2ይ፣ ብባንክ ዝተወሰነልና ናይ ክረዲት ካርድ ደረት ክሳብ ንበጽሖ ዘይምጽባይ። ንኣብነት፣  ወርሓዊ ክሳብ 2000 € ብክረዲት ክንከፍል ዝፍቀደልናኳ እንተኾነ፣ ካብ 30 ሚእታዊት ናይዚ ደረት 30%*2000 €፣ ማለት 600 € ፣ ከይንሓልፍ ንፈትን።  ጥቕሚ ናይዚ፣ በቲ ሓደ ወገን ዘየድሊ ወለድ ካብ ምኽፋል ንድሕን። ተወሳኺ ኣብ ኣመሪካ ክረዲት ስኮር (credit score)፣ ኣብ ጀርመን ከኣ ሹፋ (Schufa) ዝበሃል፣ ማለት ኣብ ተመኩሮና ለቓሕ ናይ ምምላስ ዓቕምና ዘርኢ ኣሃዝ፣ ከዛይድ ይሕግዝ። ብኡ ኣቢሉ ኸኣ ንኸፍሎ መጠን ወለድ ይጎድል።  

3ይ፣ ኣብ ኢድና ዘሎ ክረዲት ካርድታት ነውሕዶ። ከምኡ ጌርና ወርሓዊ ካብ ባንክታት ዝመጸና ዝርዝር ሕሳብ ወረቃቕቲ ብቐሊሉ ክንቛጻጸሮ።

Comments

Popular posts from this blog

ሕሳብ ልቓሕን ወለድን፣ ቀሊል መብርሂ

እቶት ካብ ክራይ ገዛን ኣከፋፍላ ግብሪን

ክንደይ ዋግኡ ገዛ ክትገዝእ ትኽእል? ስርዓት 30/30/3