About Get link Facebook X Pinterest Email Other Apps ተስፋ ፋይናንሲያዊ ፍልጠት ንፍይናንስ፣ ቁጠባ፣ ንግዲ፣ መድሕን፣ ወፍሪን ዝኣመሰሉ ኣርእስታት እንዳልዓለ፣ ቀለልቲ መብርሂታት ብምሃብ፣ ሓፈሻዊ ፍልጠትና ንምልዓል ዝጽዕርዩ። Get link Facebook X Pinterest Email Other Apps Comments
ሕሳብ ልቓሕን ወለድን፣ ቀሊል መብርሂ ናብ ሓደ ባንክ (Bank) ኬድና $5000 ኣብ ውሽጢ 24 ኣዋርሕ ዝምለስ ልቓሕ (loan/Kredit) ደልየ እንተኢልናዮ፣ ኩነታት ናብራና ስራሕናን ኣብ ግምት ብምእታው ንኸፍሎ ዓመታዊ መጠን ወለድ (interest rate/Zinssatz) 12%፣ ንሱ ማለት ከኣ፣ ወርሓዊ ዝኽፈል $235.37 በለና። እዚ ኣሃዝ ብኸመይ ከምዝመጸ ብቐሊሉ ክርዳኣና ዘይከኣል ይመስል። እንተኾነ ግን፣ ኣብዚ ጽሑፍ ከምንርእዮ፣ ነቲ ልቓሕ ክህበና ዝሓተትናዮ ባንክ ከይተጸበና ባዕልና ብቐሊሉ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። ነዚ ጽሑፍ ዘሰንዩ YouTube ቪድዮ፣ ከምኡውን ቀሊል ናይ ልቓሕ ካልኩሌተርን ምርኣይ ሓጋዚዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝውቱር ዝኾነ ናይ ባንክ ልቓሕ ንርአ። እቲ ዝቐለለ ውዕል ልቓሕ 4 መለክዒታት ዝሓዘለዩ። 1ይ ብዝሒ ልቓሕ፣ 2ይ ንውሓት ውዕል፣ ማለት ዕዳና ንምኽፋል ዝወስደልና ጊዜ፣ 3ይ መጠን ወለድ፣ ማለት interest rate/Zinssatz፣ ኣብቲ ውዕል ብሚእታዊት ዝጸሓፍ ኮይኑ፣ ወለድ ሓደ ካብ ምንጭታት ኣታዊ ናይ ባንክታትዩ። 4ይ ኣከፋፍላ ዕዳ፣ ንኣብነት ወርሓዊ እንተኾይኑ፣ ኣብ ንፍስ ወከፍ ወርሒ፣ ክፋል ናይ ልቓሕና ወለድ ወሲኽና ንባንክ ንኽፍሎ መጠን ገንዘብ ይውስን። ኣብነት ዝኾኑ ቁጽርታት ንውሰድ። 1ይ ብዝሒ ልቓሕ $5000፣ 2ይ ልቓሕ ኣብ ውሽጢ 24 ኣዋርሕ ከፊልና ንውድኦ፣ 3ይ ብተወሳኺ ንኸፍሎ መጠን ወለድ ዓመታዊ 12% ኮይኑ፣ እዚ ማለት ወርሓዊ መጠን ወለድ 1%፣ 4ይ ንኣከፋፍላ ዕዳ ዝምልከት፣ ን24 ኣዋርሕ ዝኸይድ፣ ወርሓዊ $235.37 ንባንክ ንኸፍል። ገሊኡ ናይዚ ክፍሊት ንመልሶ ልቓሕ ኮይኑ፣ እቲ ዝተረፈኸኣ ወለድዩ። ብዛዕባቲ ልቓሕ ሓፈሻዊ ስእሊ ክንወሰድ ምእንታን ንልቅሖ ገንዘብ ምስ ንመልሶ ዕዳ ነነጻጽር። ብመ... Read more
እቶት ካብ ክራይ ገዛን ኣከፋፍላ ግብሪን ኣብ ኩለን ሃገራት ከምዝርአ፣ ወናኒ ዝተኻረየ መንበሪ ገዛ እንተኾንካ ዓመታዊ ጸብጻብ ግብሪ መንግስቲ ክትገብር ግቡእካዩ። እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ እቶት ካብ ክራይ ገዛን ኣከፋፍላ ግብሪን ኣብ ጀርመን ኮይኑ፣ ምስ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርአ ኣገባባት ተማሳሳልነት ኣለዎ። ጸብጻብ ግብሪ ንምግባር መጀመርታ ኣታዊታትን ወጻኢታትን ክራይ መንበሪ ገዛ ብልክዕ ክትፈልጥ ኣለካ። ዓመታዊ ኣታዊ ካብ ክራይ ንምፍላጥ ቀሊልዩ፣ ምኽንያቱ ናይቲ በብወርሒ ን 12 ኣዋርሕ ዝኣክል ካብ ተኻረይቲ ገዛ ዝተኣከበ ገንዘብ ድምር ስለዝኾነ። ንኣብነት ወርሓዊ ክራይ 800 € እንተኾይኑ፣ ናይ ዓመት 9600 € ይኸውን። ወጻኢታት ክራይ ገዛ ንምፍላጥ ግን፣ ጥልቕ ዝበለ ሕሳብ ክትገብር የድልየካ። ብሓፈሻ፣ ብመሰረት መምርሒ ኣከፋፍላ ግብሪ፣ ምስ ክራይ ገዛ ዝተሓሓዙ 4 ዓይነት ወጻኢታት ኣብ ሕሳብ ከተእቱ ይፍቀደልካ። #1 ምስ ግዜ ዝመጽእ እርጋን ገዛ (depreciation/Abschreibung) #2 ገዛ ብልቓሕ (home mortgage/Baukredit) እንተደኣ ተገዚኡ፣ ምስኡ ዝስዕብ ወለድ ንባንክ ዝኽፈል። #3 መጸገኒን ምምሕዳርን ገዛ (maintenance/Reparatur & administration/Verwaltung) #4 ምምዕርራይ ገዛ (modernizing/Modernisierung) ኣገዳሲ ነጥቢ ፣ #1 ካብቶም ካልኦት ወጻኢታት (#2፣ #3 ፣ #4) ዝፈልዮ፣ ካባኻ ብቐጥታ ዝኽፈል ገንዘብ የለን። እቲ ዝካረ ንብረት፣ ንበይኑ ዝቖመ ንጽል ገዛ (house/Haus) ወይ ኣብ ሓደ ዓቢ ህንጻ ዝርከብ ኣፓርትመንት (apartment/flat/Wohnung) ክኸውን ይኽእል። መጀመርታ ሕሳብ ወጻኢታት ናይ ንጽል ገዛ ንርአ። ንጽል ገዛ #1 እርጋን ገዛ (depreciation/Abschre... Read more
ክንደይ ዋግኡ ገዛ ክትገዝእ ትኽእል? ስርዓት 30/30/3 ኣብ መስርሕ ምግዛእ ገዛ ክንክተሎ ዘለና ብብዝሒ ዝተዘርበሉ ሓፈሻዊ ስርዓት 30/30/3 (30/30/3 Rule) ዝበሃል ኣሎ። ብመሰረት ስርዓት 30/30/3፣ #1፣ ንገዛ ኢልካ ወርሓዊ ተውጽኦ ገንዘብ ካብ 30% ናይ ደሞዝ ወይ እቶት (gross salary/Bruttogehalt) ክሓልፍ የብሉን። #2፣ 30% ናይ ትገዝኦ ገዛ ዋጋ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ጽናሕ፣ እቲ 20% ንመበገሲ ዝኽፈል (down payment/Eigenkapital) ክኸውን ከሎ፣ ዝተረፈ 10% ንኻልእ ዘይተጸባኻዮ ወጻኢታት መሸፈኒዩ። #3፣ ትኸፍሎ ዋጋ ናይ ገዛ 3x (3 ዕጽፊ) ናይ ዓመታዊ ደሞዝ ወይ እቶት ክሓልፍ የብሉን፣ እቲ ዝዓበየ ሃብቲ ናይ ስድራ ገዛ ብምዃኑ፣ ንሰለስቲኦም ስርዓታት ከተማልእ ኽኸብድ ይኽእልዩ፣ እንተኾነ፣ ንክልተ ወይ ሓደ ካብኦም እንተማሊእካውን ንባዕሉ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚትዩ። ብቕሊሉ ንምርኣይ፣ ኣብነት ንውሰድ። ንበል ናይ ሓደ ስድራ ዓመታዊ እቶት $100,000 ኮይኑ፣ ኣብ ኢድ እዛ ስድራ ዘሎ ዝተዋህለለ ገንዘብ ከኣ $80,000። 1ይ ኣማራጺ ገዛ። መሸጣ ዋጋ $400,000 እዛ ስድራ ናይ $400,000 ገዛ ረኺባ ክትገዝኦ ደለየት። ከም መበገሲ (ማለት down payment) ዝሕተት 20% ወይ $80,000 ስለዝኾነ፣ ትወስዶ ልቓሕ $320,000 እዩ ክኸውን። ንበል እዚ ልቓሕ ገዛ (home mortgage/Baufinanzierung) ኣብ 30 ዓመት ዝኽፈል፣ ዓመታዊ መጠን ወለድ (interest rate/Zinsen) 3% እዩ። ብመሰረት ናይ ገዛ ልቓሕ (home mortgage) ካልኩሌተር ወርሓዊ ዝኽፈል (repayment/Ratenzahlung) $1,349.13 እዩ። ተወሳኺ ወጻኢታት ገዛ፣ ብገምጋም $1,333.33 ብዘይካ ... Read more
Comments
Post a Comment