እቶት ካብ ክራይ ገዛን ኣከፋፍላ ግብሪን
ኣብ ኩለን ሃገራት ከምዝርአ፣ ወናኒ ዝተኻረየ መንበሪ ገዛ እንተኾንካ ዓመታዊ ጸብጻብ ግብሪ መንግስቲ ክትገብር ግቡእካዩ። እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ እቶት ካብ ክራይ ገዛን ኣከፋፍላ ግብሪን ኣብ ጀርመን ኮይኑ፣ ምስ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርአ ኣገባባት ተማሳሳልነት ኣለዎ።
ጸብጻብ ግብሪ ንምግባር መጀመርታ ኣታዊታትን ወጻኢታትን ክራይ መንበሪ ገዛ ብልክዕ ክትፈልጥ ኣለካ። ዓመታዊ ኣታዊ ካብ ክራይ ንምፍላጥ ቀሊልዩ፣ ምኽንያቱ ናይቲ በብወርሒ ን 12 ኣዋርሕ ዝኣክል ካብ ተኻረይቲ ገዛ ዝተኣከበ ገንዘብ ድምር ስለዝኾነ። ንኣብነት ወርሓዊ ክራይ 800 € እንተኾይኑ፣ ናይ ዓመት 9600 € ይኸውን።
ወጻኢታት ክራይ ገዛ ንምፍላጥ ግን፣ ጥልቕ ዝበለ ሕሳብ ክትገብር የድልየካ። ብሓፈሻ፣ ብመሰረት መምርሒ ኣከፋፍላ ግብሪ፣ ምስ ክራይ ገዛ ዝተሓሓዙ 4 ዓይነት ወጻኢታት ኣብ ሕሳብ ከተእቱ ይፍቀደልካ።
#1 ምስ ግዜ ዝመጽእ እርጋን ገዛ (depreciation/Abschreibung)
#2 ገዛ ብልቓሕ (home mortgage/Baukredit) እንተደኣ ተገዚኡ፣ ምስኡ ዝስዕብ ወለድ ንባንክ ዝኽፈል።
#3 መጸገኒን ምምሕዳርን ገዛ (maintenance/Reparatur & administration/Verwaltung)
#4 ምምዕርራይ ገዛ (modernizing/Modernisierung)
ኣገዳሲ ነጥቢ፣ #1 ካብቶም ካልኦት ወጻኢታት (#2፣ #3 ፣ #4) ዝፈልዮ፣ ካባኻ ብቐጥታ ዝኽፈል ገንዘብ የለን።
እቲ ዝካረ ንብረት፣ ንበይኑ ዝቖመ ንጽል ገዛ (house/Haus) ወይ ኣብ ሓደ ዓቢ ህንጻ ዝርከብ ኣፓርትመንት (apartment/flat/Wohnung) ክኸውን ይኽእል። መጀመርታ ሕሳብ ወጻኢታት ናይ ንጽል ገዛ ንርአ።
ንጽል ገዛ
#1 እርጋን ገዛ (depreciation/Abschreibung)
ብመሰረት መምርሒ ግብሪ ጀርመን፣ ንእርጋን ገዛ ኣብ ግምት ዘእቱ 2% መሸጣ ዋጋ ገዛ ኣብ ዓመት ከም ወጻኢ እንዳተሓስበ፣ እቲ ገዛ ካብ ዝተገዝኣሉ ዕለት ጀሚሩ ን 50 ዓመት ዝኣክል ይኸይድ። ብተዛማዲ፣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እቲ ዝሕሰብ ወጻኢ ኣብ ክንዲ ን 50 ዓመት ን 27.5 ዓመት ጥራይ እዩ ዝኸይድ (እዚ ማለት ዓመታዊ ወጻኢ 3.63% መሸጣ ዋጋ ገዛ ይኽውን)።
ኣገዳሲ ንጥቢ፣ መሸጣ ዋጋ ገዛ ክበሃል ከሎ፣ ዋጋ ናይቲ ተሰሪሕሉ ዘሎ መሬት ኣብ ግምት ከየእተኻዩ። እቲ ምኽንያት ከኣ መሬት ዘይኣርግ ሃብቲ ስለዝኾነዩ። ንበል ዋጋ ናይዚ ንጽል ገዛ ንመሬት ገዲፍካ 130000 € እንተኾይኑ፣ ናይዚ 2% ድማ 2600 € ከም ዓመታዊ ወጻኢ ናይ ክራይ ይሕሰብ።
#2 ወለድ ንናይ ባንክ ልቓሕ (home mortgage/Baukredit)፣ ንኣብነት፣ ልቓሕ 120000 €፣ ዓመታዊ መጠን ወለድ 3%፣ 30 ዓመት ብመሰረት ናይ ገዛ ልቓሕ ካልኩሌተር (ሊንክ ንምኽታል ጠውቕ) ወርሓዊ ዝኽፈል 670 € (ዓመታዊ ዝኽፈል ከኣ 8040 €) ኮይኑ፣ ልቓሕ ቀስ ኢልካ ክትመልሶ ከለኻ፣ ትኽፍሎ ወለድ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንዳጎደለዩ ዝኸይድ። ኣብዚ ከም ኣብነት ዝወሰድናዮ፣ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ትኽፍሎ ወለድ 3272 € ኣቢሉ ይኸውን።
#3 መጸገኒን ምምሕዳር ገዛን (maintenance/Reparatur & administration/Verwaltung)፣ ኣብዚ ንሓስቦም ወጻኢታት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ንመጸገኒ ዝወጸ ገንዘብን፣ ናይ ክራይ ገዛ ዘመሓድር ሰብ እንተቖጺርካኸኣ፣ ናይቲ ሰብ ደሞዝን እዮም።
#4 ምምዕርራይ ገዛ (modernizing/Modernisierung)፣ እዚ ማለት፣ ነቲ ገዛ ምምዕርራይ ዘድልዮ እንተኾይኑ ወይ እንተተመሪጹ፣ ንኣብነት ተወሳኺ መደቀሲ ክፍሊ፣ ንዕኡ ኢልካ ዘውጻኻዮ ገንዘብዩ። ልክዕ ከም መመላእታ እቲ ቀንዲ ገዛ ተቖጺሩ ከኣ ብኸምቲ ኣብ #1 ዘሎ ብሰንኪ እርጋን ዝስዕብ ወጻኢ ይጽብጸብ።
ስለዚ፣ ከም ኣብነት፣ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዝግበር ጸብጻብ ግብሪ ዝኣትው ናይ ሓደ ገዛ ወጻኢታት፣
#1 እርጋን ገዛ፣ 2600 €
#2 ወለድ ንባንክ ልቓሕ፣ 3272 €
#3 መጸገኒን፣ ምምሕዳርን ገዛ፣ 1200 €
#4 ንምምዕርራይ፣ 0 €ድምር ናይዞም ወጻኢታት 7072 €፣ ኣታዊ ክራይ ከኣ 9600 € ኮይኑ፣ ናይ ቀዳማይ ዓመት መኽሰብ 2528 € ይኸውን።
ኣፓርትመንት
ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓቢ ህንጻ ዘሎ ኣፓርትመንት ትውንን እንተኾንካ፣ እቲ ንእርጋን ኣፓርትመንት ዝምልከት ሕሳብ ቁሩብ ክብድ ይብል። ናይዚ ምኽንያት፣ ነቲ ህንጻ ዝሓዘ መሬት ናይ ሓባር ንብረት ስለዝኾነ፣ ካብኡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣፓርትመንት ብጽሒት ምፍላጥ የድሊ።
#1 እርጋን ኣፓርትመንት ንምፍላጥ፣ ካብ ሰነዳት ውዕል መሸጣ ኣፓርትመንት ንረኽቦም ሓበሬታ ንጀምር። ከም ኣብነት ከኣ ኣሃዛት ንጠቀም፣
*መሸጣ ዋጋ ኣፓርትመንት (መሬት ሓዊስካ)፣ 100.000€
*ድምር ናይ ደላሎ፣ ኖታር፣ ግብሪ ወዘተ፣ 20.000€
*ስለዚ ጠቕላላ ዝተኸፍለ ገንዘብ፣ 120.000€
*ካብቲ ህንጻ ተመስሪትሉ ዘሎ ስፍሓት መሬት (ናይ ሓባር መኽዘን፣ጋራጅ፣መጻወቲ ወዘተ ሓዊስካ) ናትካ ብጽሒት (Bodenanteil)፣ 40 ትርብዒት ሜትሮ (square meter)።
ብድሕሪኡ ዋጋ ናይ መሬት (Bodenrichtwert) ኣብቲ ኣፓርትመንት ዘለዎ ከባቢ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ (ማለት፣ ሜትሮ ብሜትሮ) 700€ እንተኢልና፣ ዋጋ ናይ 40 ትርብዒት ሜትሮ መሬት ከኣ 28000 € ይኸውን።
28000 € ማለት፣ 28% ናይ 100.000 € (መሸጣ ዋጋ ኣፓርትመንት) ካብኮነ፣
28% ናይ 120.000 € (ጠቕላላ ዝተኸፍለ) ናይ መሬት ክኸውን ከሎ፣ ዝተረፈ 78% ናይ 120.000 €፣ ማለት 93600 € ጠቕላላ ነቲ ኣፓርትመንት ዝተኸፍለ ይኸውን።
ኣብ መወዳአታ፣ 2% ናይ 93600 €፣ ማለት 1872 € ከም ናይ depreciation ወጻኢ ኮይኑ ይሕሰብ። ዝቐለለ ኣብነት ንምውሳድ ዝኣክል፣ እቶም ዝተረፉ ወጻኢታት ልክዕ ኣብ ላዕሊ ከምዘለዉ ንውሰድ። ስለዚ፣
#1 እርጋን ኣፓርትመንት፣ 1872 €
#2 ወለድ ንባንክ ልቓሕ፣ 3272 €
#3 መጸገኒን፣ ምምሕዳርን ገዛ፣ 1200 €
#4 ንምምዕርራይ ወይ ምጽባቕ፣ 0 €
ድምር ናይዞም ወጻኢታት 6344 €፣ ኣታዊ ክራይ ከኣ 9600 € ኮይኑ፣ ናይ ቀዳማይ ዓመት መኽሰብ 3256 € ይኸውን።
ዝኽፈል ግብሪ
ንኣከፋፍላ ግብሪ ብዝምልከት፣ ብዘይካ ክራይ ገዛ ካልእ ምንጪ ኣታዊ እንተለካ፣ እቲ ወሳኒ ዝኾነ ድምር ናይ ክልቲኦም ምንጪ እቶትዩ። ንበል፣ ናይዚ ዝካረ ኣፓርትመንት ወናኒ ኢኻ፣ ከም ሰራሕተኛ ከኣ ዘእተኻዮ ዓመታዊ ደሞዝ 60000 € ኣለካ። እቲ ዝኽፈል ግብሪ ዝውሰን በቲ ድምር ናይ ክልቲኦም (ማለት፣ 63256 €) ኮይኑ፣ መምርሒ መጠን ግብሪ ብምርኣይ ከኣ፣ እቲ ዝኽፈል ግብሪ ክትፈልጥ ትኽእል።
ምስ ግዜ፣ ገለ ካብቶም ወጻኢታት ክቀያየሩ ስለዝኽእሉ፣ ብክራይ ትረኽቦ መኽሰብን ትኸፍሎ ግብሪን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎም። በቲ ሓደ ወገን፣ ልቓሕ ቀስ ኢልካ ክትመልሶ ከለኻ፣ ንባንክ ትኽፍሎ ወለድ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንዳጎደለ ስለዝኸይድ፣ መኽሰብን ግብርን ይውስኽ። በቲ ካልእ ወገን፣ ናይ መጸገኒን ምምሕዳር ገዛን ወጻኢታት ምስ ጊዜ እንዳወሰኹ ክኸዱ ይኽሉዮም (ንኣብነት ብሰንኪ ሓፈሻዊ ናህሪ ዋጋታትን ወሰኽ ደምዝን)። ከም ሳዕቤን ከኣ መኽሰብን ግብርን ናይ ክራይ ይንኪ።
ኣገዳሲ ነጥቢ፣ እቲ ዝካረ ገዛ ካብ ዝተገዝኣሉ ዕለት ጀሚርካ ዕድሚኡ 10 ዓመት ከይሓለፈ እንተድኣ ብመኽሰብ ተሸይጡ፣ እቲ መንግስቲ ናይ መኽሰብ ግብሪ (capital gain tax/Kapitalertragsteuer) ይእክብ። ኣብዚ ዝመጽእ ሕቶ፣ እቲ መኽሰብ ብኸመይ ይሕሰብ ዝብልዩ። ንኣብነት ሓደ ናይ ክራይ ገዛ ብ 130000 € ተገዚኡ፣ ድሕሪ 8 ዓመት ብ 250000 € ተሸይጡ፣ እቲ ግብሪ ዝኽፈለሉ መኽሰብ ከኣ 120000 € ክመስል ይኽልዩ። እንተኾነ፣ ብመሰረት መምርሒ ግብሪ እቲ መኽሰብ ንእርጋን ገዛ (depreciation/Abschreibung) ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ። ንበል ኣብ 8 ዓመት ብዘጋጠሞ እርጋን 2% ዓመታዊ ተሓሲቡ፣ ናይ 8 ዓመት ከኣ 2600 € x8፣ ወይከኣ 20800 € ተተሚኑ፣ እቲ ገዛ ብ 130000 € ዘይኮነ ብ 109200 € ከምዝተገዝአዩ ዝሕሰብ። እቲ ግብሪ ዝኽፈለሉ መኽሰብ ከኣ 120000 € ዘይኮነ 140800 € ይኸውን። ስለዚ ዝኾነ ዝካረ ገዛ ክውንን ዝደሊ ሰብ፣ ንኣከፋፍላ ግብሪ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ።
Comments
Post a Comment