ክንደይ ዋግኡ ገዛ ክትገዝእ ትኽእል? ስርዓት 30/30/3

ኣብ መስርሕ ምግዛእ ገዛ ክንክተሎ ዘለና  ብብዝሒ ዝተዘርበሉ ሓፈሻዊ ስርዓት 30/30/3 (30/30/3 Rule) ዝበሃል ኣሎ። ብመሰረት ስርዓት 30/30/3፣

#1፣ ንገዛ ኢልካ ወርሓዊ ተውጽኦ ገንዘብ ካብ 30% ናይ ደሞዝ ወይ እቶት (gross salary/Bruttogehalt) ክሓልፍ የብሉን።

#2፣ 30% ናይ ትገዝኦ ገዛ ዋጋ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ጽናሕ፣ እቲ 20% ንመበገሲ ዝኽፈል (down payment/Eigenkapital) ክኸውን ከሎ፣ ዝተረፈ 10% ንኻልእ ዘይተጸባኻዮ ወጻኢታት መሸፈኒዩ። 

#3፣ ትኸፍሎ ዋጋ ናይ ገዛ 3x (3 ዕጽፊ) ናይ ዓመታዊ ደሞዝ ወይ እቶት ክሓልፍ የብሉን፣

እቲ ዝዓበየ ሃብቲ ናይ ስድራ ገዛ ብምዃኑ፣ ንሰለስቲኦም ስርዓታት ከተማልእ ኽኸብድ ይኽእልዩ፣ እንተኾነ፣ ንክልተ ወይ ሓደ ካብኦም እንተማሊእካውን ንባዕሉ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚትዩ። ብቕሊሉ ንምርኣይ፣ ኣብነት ንውሰድ። ንበል ናይ ሓደ ስድራ ዓመታዊ እቶት $100,000 ኮይኑ፣ ኣብ ኢድ እዛ ስድራ ዘሎ ዝተዋህለለ ገንዘብ ከኣ $80,000። 

1ይ ኣማራጺ ገዛ። መሸጣ ዋጋ $400,000

እዛ ስድራ ናይ $400,000 ገዛ ረኺባ ክትገዝኦ ደለየት። ከም መበገሲ (ማለት down payment) ዝሕተት 20% ወይ $80,000 ስለዝኾነ፣ ትወስዶ ልቓሕ $320,000 እዩ ክኸውን። ንበል እዚ ልቓሕ ገዛ (home mortgage/Baufinanzierung) ኣብ 30 ዓመት ዝኽፈል፣ ዓመታዊ መጠን ወለድ (interest rate/Zinsen) 3% እዩ።  ብመሰረት  ናይ ገዛ ልቓሕ (home mortgage) ካልኩሌተር ወርሓዊ ዝኽፈል (repayment/Ratenzahlung) $1,349.13 እዩ።

ተወሳኺ ወጻኢታት ገዛ፣ ብገምጋም $1,333.33

ብዘይካ እቲ ንባንክ ወርሓዊ ዝኽፈል፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለ ተወሳኺ ናይ ገዛ ወጻኢታት፣ ከም ጽገና፣ ግብሪን፣ መድሕንን ዝ ኣመሰሉ ኣለው። ኣብነት ዝኾኑ ኣሃዛት ንውሰድ። ንምጽጋን ገዛ ዝኸውን ወጻኢታት፣ ዓመታዊ 1% ናይ መሸጣ ዋጋ ገዛ፣ ማለት ወርሓዊ $625 ። ግብሪ ገዛ፣ ዓመታዊ 1% ናይ መሸጣ ዋጋ ገዛ፣ ማለት ወርሓዊ $625 ። መድሕን ገዛ፣ ዓመታዊ 0.5% ናይ ዋጋ ገዛ፣ ማለት ወርሓዊ $312 ። ንገዛ ምምሕያሽ (home improvement)  ወርሓዊ $250።  ብተወሳኺ ወርሓዊ  ንማይ፣ መብራህቲ ዝኣመሰሉ (utilities) $250። ብድምር $1,333.33።

ነዚ $1,333.33 ምስ ወርሓዊ ዝኽፈል ናይ ገዛ ዕዳ እንተደሚርናዮ $2,682.46 ይኸውን። ስለዚ ነዚ ገዛ ንምውናን እዛ ስድራ ወርሓዊ $2,682.46 ክትከፍል ኣለዋ። እዚ ብመልክዕ ስርዓት 30/30/3 እንተርኢናዮ፣ እዛ ስድራ ንሰለስቲኦም ስርዓት ጥሒሳቶም ኣላ። 

ስርዓት 1፣ ድምር ወርሓዊ ወጻኢታት $2682.46፣ ማለት 32.2% ናይ ስድራ እቶት ኮይኑ፣ ካብቲ ዝድለ ስርዓት 30% ሓሊፉሎ። 

ስርዓት 2፣ እዛ ስድራ ዘዋህለለቶ ገንዘብ 20% ናይ ገዛ ዋጋ ኮይኑ፣ ካብ  ዝድለ 30% ኣጸቢቑ ትሒቱሎ። ምኽንያቱ እዛ ስድራ መበገሲ  (down payment) ይሃልዋ ደኣምበር ንሕማቕ እዋን፣ ንኣብነት ስራሕ ኣልቦነት ምስዘጋጥም፣ ዝኸውን ተረፍ ገንዘብ የብላን።

ስርዓት 3፣ መሸጣ ዋጋ ገዛ 4x (4 ዕጽፊ) ናይ ዓመታዊ እቶትዩ፣ ካብቲ ዝድለ 3x ኣዝዩ ልዒሉ ኣሎ። 

2ይ ኣማራጺ ገዛ። መሸጣ ዋጋ $300,000

ናይቲ መሸጣ ዋጋ 20% ከም መበገሲ (down payment)፣ ማለት $60,000 ብምኽፋል፣ እቲ ዝተረፈ $20,000 ናይ ኢድ ገንዘብ ንዘይተሓስበ ወጻኢታት ክኸውን ይኸውን። ዝውሰድ ለቓሕ $240,000 ኮይኑ ወርሓዊ ዝኽፈል ናይ ገዛ ዕዳ ብመሰረት  ናይ ገዛ ልቓሕ (Mortgage) ካልኩሌተር $1,011.85 እዩ። 

ተወሳኺ ወጻኢታት ገዛ፣ ማለት መድሕን፣ግብሪ ወዘተ፣ ተደሚሩ ብገምጋም $1,125 ይኸውን። እዞም ወጻኢታት ምስ ወርሓዊ ዝኽፈል ናይ ገዛ ዕዳ ተደሚሮም ኣብዚ ገዛ ንምንባር እዛ ስድራ ወርሓዊ $2,136.85 ክትከፍል ኣለዋ። 

ብመልክዕ ስርዓት 30/30/3 እንተርኢናዮ፣ እዛ ስድራ ንክልተ ካብቶም ሰለስተ ብምምላእ ነቲ ሳልሳይ ከኣ ብኽፋል ኣማሊኣቶም ኣላ። 

ስርዓት 1፣ ድምር ወርሓዊ ወጻኢታት $2,136.85 ኣቢሉ ፣ ማለት 25.6% ናይ እቶት፣ ከምቲ ዝድለ ካብ 30% ይትሕት። 

ስርዓት 2፣ ዝተዋህለለ ገንዘብ ካብ ናይ መሸጣ ዋጋ 26.7% (< 30%) እዩ። እዚ ነቲ 20% down payment እኹልዩ። እንተኾነ ግን፣ ንሕማቕ እዋን ዝኸውን ተርፍ ገንዘብ ትሕቲ ዝድለ 10% እዩ።

ስርዓት 3: መሸጣ ዋጋ ገዛ 3x ናይ ዓመታዊ እቶት ኮይኑ፣ ካብቲ ላዕለዋይ ደረት (ማለት 3x) ኣይሓለፈን።

ኣብዚ ኣብነት እታ ስድራ ዓቕማ ዝኾነ ገዛ ብምምራጽን፣ ዕዳኣ ብግቡእ ብምምላስን፣ ፋይናንሲያዊ ናጽነት (financial independence) ከተረጋግጽ ትኽእልያ።

ናይ ልቓሕ መድሕን፣ ኣብነት

ንበል እዛ ስድራ ኣብ ዝኸበረ ገዛ ንምንባር ተመነየት። ከም ኣብነት $500,000 መሸጣ ዋጋ ንውሰድ። ዝተቐመጠ $80,000፣ 16% ናይቲ መሸጣ ዋጋ ስለዝኾነ፣ እዛ ስድራ ነቲ ዝሕተት 20% መበገሲ (down payment) መኽፈሊ ዝኸውን እኹል ገንዘብ የብላን። 

ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ኣብ ገሊኤን ሃገራት (ኣብነት ሕ.መ.ኣ) ከምዝርአ፣ እቲ ዘለቕሕ ባንክ ካብ ክሳራ ንምድሓን፣ ነታ ስድራ ክሳብ ነቲ ዝተረፈ 4% መበገሲ (down payment) ትምልኦ፣ ፍሉይ መድሕን (Private Mortgage Insurance, PMI ዝበሃል) ክትኣቱ ከገድዳ ይኽእልዩ። እዚ ማለት እታ ስድራ ተወሳኺ ልቓሕ ኽትወስድ ኣለዋ ጥራይ ዘይኮነ፣ እቲ መበገሲ (down payment) 20% ክሳብ ዝበጽሕ፣  ንመድሕን (PMI) ዝኽውን፣ መጠኑ ንበል 0.5% ናይ ገዛ ልቓሕ፣ማለት ወርሓዊ $175፣ ክትኸፍል ኣለዋ። ኣብዚ ኣብነት፣ እታ ስድራ ንሰለስቲኦም ስርዓታት 30/30/3 ብምጥሓስ፣ ኣብ ዘይተደልየ ዕዳ ክትኣቱ ቀሊልዩ።  

 

 



Comments

Popular posts from this blog

ሕሳብ ልቓሕን ወለድን፣ ቀሊል መብርሂ

እቶት ካብ ክራይ ገዛን ኣከፋፍላ ግብሪን