ቁጠባ ገንዘብ ኣብ ባንክ፣ ካብ 0% ናብ 3% ወለድ፣ ድሕሪኡኸ?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ገንዘቡ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝርከባ ንግዳውያን ባንክታት ዘቐመጠ ሰብ፣ 0% ወይ ከኣ ዳርጋ 0% መጠን ወለድ (interest rate/Zinsen) እዩ ረኺቡ። ቐንዲ ጠንቂ ናይዚ ወለድ-ኣልቦ ዓመታት ባጤራ ዝሓትማ ሃገራዊ ባንክታት (ከም European Central Bank (ECB) ኣብ ኣውሮፓ፣ Federal Reserve (Fed) ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ብዝተኸተልዎ ናይ ወለድ ፖሊሲ እዩ። ብሓፈሻዊ፣ ሃገራዊ ባንክ ዝወሰኖ መጠን ወለድ ነቲ ንግዳውያን ባንክታት ንዓማዊለን ዘኽፍለኦ መጠን ወለድ ብቐጥታ ይጸልዎ።

እንተኾነ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት 2022 ኣትሒዙ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ዝኾነ ሓፈሻዊ ናህሪ ዋጋታት (inflation) ንምቕላስ ኢለን ሃገራዊ ባንክታት ዝውስንኦ መጠን ወለድ ቀስ ብቐስ ክውስኽ ይረአሎ (chart 1 ረአ)።  

chart 1   ምዕባለ መጠን ወለድ %

 ሰማያዊ፣ ኣውሮፓ (ECB)     ቀይሕ፣ ሕ.መ.ኣ (Fed) 


እዚ ምዕባለ ብሕልፊ ነቶም መብዛሕትኡ ዝቖጠብዎ  ሃብቶም ኣብ ባንክ ዘቐምጡ ስድራታት (ብዝያዳ ኸኣ ኣብ ጀርመን) ከም ጽቡቕ ዜናዩ ኮይኑ ዘሎ። እንተኾነ፣ ኣብዚ ግዜ ንሕሳብ ቁጠባ ዝኽፈል መጠን ወለድ ሓደ ኣይኮነን። ቀዳማይ ነገር፣ እቲ ዝኸፈትካዮ ዓይነት ናይ ባንክ ሕሳብ (account/Konto) ተራእዩ እቲ መጠን ወለድ ክብ ወይ ከኣ ለጠቕ ይብል። ብተወሳኺ፣ ኣብ ትሕቲ ናጻ ዕዳጋ ዝንቀሳቐስ ቁጠባ ምዕቡላት ሃገራት፣ ኣብ መንጎ ባንክታት ብዘሎ ውድድር፣ መጠን ወለድ ካብ ባንክ ናብ ባንክ ይፈላለ።

ሕሳብ ባንክን ወለድን

ብሓፈሻ ሰለስተ ዓይነት ናይ ባንክ ሕሳብ ኣለዉ፣

#1 Checking account/Girokonto፣ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ወለድ ዘይክፈሎ፣ ኣብ ዝኣተናዮ ዱኳናት መኽፈሊ፣ ካብ ATM/Geldautomat ከኣ ጥረ ገንዘብ መውጽኢ ንጥቀመሉ ተንቀሳቓሲ ሕሳብ ኮይኑ፣ ኣብ ዝደለናዮ ግዜ ክንዓጽዎ እውን ንኽእል።

#2 Saving account/Tagesgeldkonto፣  ንግዚኡ ዘየድልየና ገንዘብ ነቐምጠሉ ናይ ባንክ ሕሳብ ኮይኑ፣ መጠን ወለድ ምስዕዳጋ ዝቀያየር ግን ከኣ ትሑትዩ (ንኣብነት፣ ኣብዚ ግዜ ዓመታዊ መጠን ወለድ ክሳብ 0.85% ይበጽሕ)። ነዚ ሕሳብ ሰሓቢ ዝገብሮ እምበኣር፣ ገንዘብና ኣብ ዝደለናዮ መዓልቲ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና፣ ማለት ነቲ ባንክ ኣቐዲምና ምፍላጥ ኣየድልይን እዩ።  ከም መኽፈሊ ወይከኣ ጥረ ገንዘብ መውጽኢ ክንጥቀመሉ እንተደሊና፣ ኣብቲ ሕሳብ ዘሎ ገንዘብ ናብ checking account/Girokonto ከነሕልፎ ጥራይ እዩ ዘለና። 

#3 Time deposit account/Festgeldkonto፣ ብመሰረት ዝኣተናዮ ውዕል፣ ንዝተወሰነ ግዜ (ካብ 1 ወርሒ ክሳብ 10 ዓመት ክኸውን ይኽእል) ገንዘብና ኣብ ባንክ ይቕመጥ፣ ዘይቅየር መጠን ወለድ ከኣ ይህልዎ። ከምኡ ስለዝኾነ፣ እዚ ሕሳብ ባንክ ካብቶም ካልኦት ዝለዓለ መጠን ወለድ ዝኸፍልዩ። ንኣብነት፣ ኣብዚ እዋን ብሉጻት ዝበሃላ ባንክታት ዝህበኦ ናይ 2 ዓመት ውዕል ዓመታዊ ወለድ 2.7% (chart 2 ረአ)፣ ናይ 7 ዓመት ውዕል ከኣ ዓመታዊ ወለድ 3.2% ኣቢሉ ይኸውን።

chart 2  10 000 € ን2 ዓመት እንተተቐሚጡ ዝውህለል ወለድ 540 € 

ኦንላይን ባንክዶ ጨንፈር ዘለዎ ልምዳዊ ባንክ?

ቕድሚ ምትእትታው ኢንተርነት፣ ናይ ባንክ ሕሳብ ምኽፋት ዝነበረ ኣማራጺ ውሑድዩ ኔሩ። ሓደ ሰብ ናይ ባንክ ኣገልግሎት እንተደልዩ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ጨንፈር (branch/Filiale) ዘለወን (ኣብ ጀርመን ከም Sparkasse፣ Postbank ዝኣመሰላ) ባንክታት ሕሳብ ክኸፍት ይግደድ ኔሩ። እዘን ባንክታት ኣብ ሰሙን ንዝተወሰነ መዓልታት፣ ኣብ መዓልቲ ከኣ ንዝተወሰነ ሰዓታት ኣገልግሎት ባንክ ዝህባየን።

ካብ 80ታት ጀሚሩ ኢንተርነት እንዳማዕበለ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ነተን ልምዳዊ (traditional) ባንክታት ዝወዳደራ ኦንላይን ባንክታት (Direktbank) እንዳበዝሓ መጽኤን። እዘን ባንክታት፣ ጨንፈር ዘይብለን ኩሉ ንጥፈታት፣ ሓገዝን፣ ብ ኦንላይን፣ ተሌፎን፣ ኢመይል፣ App ስለዘካይዳን፣ ደረት ዘይብሉ ናይ 24 ሰዓት ኣገልግሎት ባንክ ስለዝህባን፣ ብዙሓት ዓማዊል ክስሕባ ክኢለን እየን። ብተወሳኺ፣ ንሰን ዝውንንኦ ATM እኳ እንተዘየለ፣ ንዓማዊለን ዝህበኦ ክረዲት ካርድ ብምጥቃም፣ ካብ ካልኦት ATM ብናጻ ጥረ ገንዘብ ከተውጽእ ዝከኣልዩ። 

ከም ግብረ መልሲ ምእታው ኦንላይን ባንክታት፣ እተን ልምዳውያን ባንክታት፣ በቲ ሓደ ወገን ክሳራ ንምውሓድ ተባሂሉ ዝነበረን ቁጽሪ ጨናፍር (ብሕልፊ ኣብ ንኣሽቱ ከተማታትን ኣብ ገጠራትን) እንዳውሓዳ ክኸዳ ከለዋ፣ በቲ ካልእ ወገን ነቲ ዝመጸ ምዕባለ ተክኖሎጂ ተጠቂመን ነብሰን ዝኸኣላ ኦንላይን ባንክታት ክኸፍታ ተራእየን። ከም ኣብነት፣ Comdiret ናይ Commezbank፣ ING DiBa ናይ ING ባንክ ክጥቀስ ይከኣል።

እቲ ምርጫ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ይኽእልዩ። እንተኾነ፣ ኣብ ዘይተደልየ ሓደጋ ከይንኣቱ፣ ብዛዕባ ሓደ ባንክ ኣብ ግምት ከነእትዎም ዘለና እንተወሓደ ሰለስተ ሓበሬታት ኣለዉ፣ 

#1 ኣብቲ ንስኻ ትነብሮ ሃገር ዝተመዝገበት ባንክ ድያ? ከምኡ እንተኾይኑ፣ ምስ ባንክ ምስሕሓብ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ ኣውፈርቲ ገንዘብ ክዕወቱ ዝሓሸ ዕድል ኣለዎም።

#2 ውሕስነት ሕሳብ (deposit insurance/Einlagensicherung) ትህብድያ፣ ክሳብ ክንደይ ዝኣክልዩኸ? ንኣብነት፣ ኣብ ጀርመን ዝተመዝገባ ባንክታት ብመሰረት ሕጊ ባንክ፣ ንነፍሲ ወከፍ ሕሳብ ክሳብ 100 000 € ውሕስነት ይህባ።

#3 ልዑል ክረዲት ሬይቲንግ (credit rating/Landesbonität) ዘለዋ ባንክ ድያ? ንኣብነት፣ ኣብ https://www.check24.de/festgeld/ እንተርኢና፣ እቲ ዝበለጸ  ነጥቢ፣ ማለት AAA፣ ዘለወን ባንክታት ዝህበኦ መጠን ወለድ ትሕት ይበል ደኣምበር ናይ ምጥፋሽ (Bankruptcy) ዕድል ካብተን ካልኦት (A+፣ A-፣ BBB ዘለወን) ዝተሓተዩ።

ክርሳዕ ዘይብሉ

ናይ ባንክ ሕሳብ ምስ ካልኦት ኣማራጺታት፣ ከም ብርኪ ኣብ ኩባንያታት፣ ወርቂ፣ ኣብ ነወዳድረሉ፣ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘለና ሓፈሻዊ ናህሪ ዋጋታት (inflation) እዩ። ንኣብነት፣ ኣብ ኣውሮፓ፣ መጠን ወለድ 0% ኣብ ዝነበረሉ ግዜ (2015 - 2021) ፣ ሓፈሻዊ ናህሪ ዋጋታት ዓመታዊ ትሕቲ 2%፣ ኣብ ገሊኡ እዋን ከኣ ትሕቲ 1% ኔሩ። እዚ ማለት፣ ኣብ ባንክ ዝተቐመጠ ገንዘብ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ኣብ ዓመት ብ 1% ወይ 2% ይጎድል ኔሩ። በንጻሩ፣ ኣብዚ 2022 ዓመታዊ ናህሪ ዋጋ ክሳብ 10% ዝበጽሓሉ መጠን ወለድ ግን ትሕቲ 2% ዝነበረሉ፣ ኣብ ባንክ ዝተቐመጠ ገንዘብ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ኣብ ዓመት ብ 8% ኣቢሉ ጎዲሉዩ። መጠን ወለድ ኣብ 2023 ከመይ ከም ዝኸይድ ብሕጂ ዝርአ ኮይኑ፣ ቀንዲ ወሳኒ ዝኸውን ምዕባሌታት ናህሪ ዋጋን፣ ግብረ መልሲ ናይ ሃገራዊ ባንክን እዩ።   



Comments

Popular posts from this blog

ሕሳብ ልቓሕን ወለድን፣ ቀሊል መብርሂ

እቶት ካብ ክራይ ገዛን ኣከፋፍላ ግብሪን

ክንደይ ዋግኡ ገዛ ክትገዝእ ትኽእል? ስርዓት 30/30/3