ኣገዳስነት ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን
ኣብ ጀርመን ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን (Privathaftpflichtversicherung) ሓደ ካብቶም ኣድለይቲ ዝበሃሉ መድሕንዩ። ዳርጋ 83% ካብ ነበርቲ ጀርመን ዝኾኑ ስድራታት ከኣ ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን ኣለዎም። እዚ መድሕን ብሰንክኻ ወይ ብሰንኪ ደቕኻን ካልኦት ኣብቲ መድሕን ዝተጠቕሱ ኣባላት ስድራ፣ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ንብረት ወይ ኣካል ብዝበጽሐ ማህሰይቲ ስዒቡ ዝኽፈል ካሕሳ ዝሽፍንዩ።
እዚ መድሕን ካብ ሳልሳይ ኣካል መድሕን ናይ መኪናን ካልኦት ተሽከርከርትን (Autoversicherung) ፍልይ ዝበለዩ። ንመኪና ንዝምልከት ባዕሉ ዝኸኣለ መድሕን ክትኣቱ ብሕጊ ትግደድ ኢኻ። ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን ግን ብወለንታዩ ዝእቶ። እንተኾነ፣ ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን ክህልወካ ዝምረጽዩ፣ ምኽንያቱ ንኡስ ዝመስል ሓደጋ ኣዝዩ ዓቢ ዝኾነ ማህሰይቲ ብምውራድ ምሉእ ሓላፍነት ኣሰኪሙ፣ ከም ሳዕቤን ከኣ ንብረትካ ወይ ሃብትኻ ከይተረፈ ከም መኽፈሊ ካሕሳ ክውሰድ ስለ ዝኽእልዩ።
ኣብ መዓልታዊ ናብራ ሓደጋታት ከጋጥሙ ንቡርዩ። ንኣብነት ወድኻ ኩዑሶ ክጻወት ከሎ ብሃብደበት መስትያት ናይ ጎረቤት ገዛ ክሰብር፣ ወይ ብብሽክለታ መኪና ናይ ሰብ ክሕንጽጽ ይኽእል። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፣ ከም ተጓዓዚ ወይ ዘዋሪ ብሽክለታ ብዝገበርካዮ ስሕተት ዝመጽእ ናይ ትራፊክ ሓደጋ ናይ ኣሽሓት ወይ ሚልዮናት ዩሮ ዕንወት ከስዕብ ይኽእልዩ። ሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን እምበኣር፣ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓደጋታት በቲ ስምምዕ መድሕን መሰረት ካሕሳ ዝኸፍለልካዩ። ብተወሳኺ፣ ኣብ ገሊኦም ኣጋጣሚታት ብዘይወዓልካዮ ነገር ካብ ካልእ ሰብ ክሲ እንትመጸካ ንነፍስኻ ክትከላኸል ዝሕግዝ መድሕንዩ።
ነቲ መሰረታዊ ዝበሃል መድሕን ትኸፍሎ ውሑድ ኮይኑ፣ ኩነታትካን፣ ኩነታት ስድራኻን ኣብ ግምት ብምእታው ከም ድሌትካ ኣመዓራሪኻ ትኸፍሎ ገንዘብ ኽውስኽ ይኽእል። ንኣብነት፣ መፍትሕ ናይ ዝተኻረኻዮ ገዛ እንተጠፊኡ እሞ ሓድሽ መተካእታ መፍትሕ እንተድልዩ፣ ናይዚ ወጻኢታት ዝሽፍን መድሕን ክትውስኽ ትኽእል።
ኣብ መወዳእታ፣ ንሳልሳይ ኣካል ውልቓዊ መድሕን ትኸፍሎ ገንዘብ ኣብቲ ዓመታዊ ዝምላእ ጸብጻብ ግብሪ (Steuererklärung) ብምእታው ትኸፍሎ ግብሪ ከተጉድል ትኽእሎ ኣሎ። ነዚ ንምግባር ዘድልየካ ፎርም (ማለት Anlage) "Vorsorgeaufwand" ዝበሃል ኮይኑ ነቲ ዝኸፈልካዮ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ "Sonderausgabe" ኣእቲኻ ብመረጋግጺ ተሰንዮ። ከም ውልቀሰብ እቲ ከተእትዎ ዝፍቀደካ ኣሃዝ ከኣ፣ ንሰራሕተኛን ጥሮተኛን ክሳብ 1900 ዩሮ፣ ንናቱ ትካል ዘልዎ ሰብ (Selbständige) ከኣ ክሳብ 2800 ዩሮዩ። በዓል ሓዳር ኮይኖም ብሓደ ጸብጻብ ግብሪ እንተጌሮም፣ እቲ ከእትውዎ ዝፍቀድ ኣሃዝ ድምር ናይ ንነፍሲ ወከፎም ዝፍቀድ ኣሃዝ ይኸውን።
Comments
Post a Comment